ድሕሪ 2 ሰዓት ኣብ ፕላስቲክ ጃልባ ምንስፋፍ መድሕን ትረክብ`ዶ?

ደለልቲ ኮምኡ እናበሉ እዮም ዝመባጽዑልካ። እንተኾነ ግን፡ ዘድሕኑ ሰባት ኣብታ ትርከበላ ጃልባ ክህልዉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ወላ እንተለዉ እውን፡ ብግዚኡ ረኺቦም ንኸድሕኑኻ ዘሎ ዕድል ብጣዕሚ ጸቢብ እዩ – ብዝያዳ ድማ፡ ደላሎ መርከብኩም ብዘይ ሞቶር እንተገዲፎማ። እቲ ጉዕዞ ብጣዕሚ ሓደገኛ ይኸውን፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ሂወት እውን ኣብኡ ይጠፍእ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 01.03.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017