ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ምስ ዝንጸግ ተገዲድካ ክትምለስ ትኽእል’ዶ?

መኪና ሓለዋ ዶብ ተኸታተልቲ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ዕለት 14.12.2016 ድሕሪ ሓቲ ኣየር ኣብ ፍራንክፎርት ኣም ማይን (ሄሰን) ጠጠው ኢላ ኔራ። ማሕበር ረድኤት ሓተቲ ዑቕባ – ፕሮ ኣዝዩልን – መዓከን ዜናንታት ከምዝሓበርኦ፡ ሮቡዕ ምሸት 50 ደቂ ኣፍጋኒስታን ዝሓዘት ኣየር ካብ ፍራንክፎርት ነቒላ ንካቡል ተበጊሳ። ሃገራዊ ፖሊስን ኣመሓዳሪ መዕለቢ ነፈርቲ ፍራፖርትን ንግዴታዊ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ፈቓደኛታት ኣይነበሩን፡ ሃገራዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሕተተሉ ግን ሓቢሮም። ስእሊ፡ ቦሪስ ሮስለር/ድ ©dpa

ብሓይሊ ክትምለስ ክትግደድ ኢኻ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ እንተ ኣቲኻን ናይ ዑቕባ ሓተታኻ ተነጺጉ፡ ብፍቶትካ ክትምለስ እውን ፈቓደኛ እንተዘይኬንካ? ኣብ ከምዚ ኩነት፡ ናብ ከባቢ ናይ ሸንገን ኣባላት ሃገራት ንኸይትኣቱ ንነዊሕ ግዜ ክትክልከል ትኽልከል። ተገዲድካ መምለሲኻ ወጻኢታት እውን ባዕልኻ ክትስከሞ ትግደድ።

መወዳእታ ዝተሓደሰሉ፥ 07.05.2018 ዝተሓትመሉ፥ 27.07.2017