ናብ ኦይሮጳ ኣብ እትጉዓዙሉ ግዜ ሰባት ክምዝምዙኻ ዝኽእሉሎም ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ። ብሸፋቱ ትጭወ፡ መፍትሒኻ ገንዘብ ክሓቱ እውን ትሑዝ እዩ። ቤተሰብካ ገንዘብ ምስ ከፈሉ ጥራይ እዮም ዝፍንዉኻ። እቲ ዝሓትዎ ገንዘብ ካብቲ ንብሙሉኡ መጉዓዝያኻ መዲብካዮ ዝነበርካ ዝለዓለ ክኸውን ይኸእል እዪ፡፡ ብዙሓት ወጻእተኛታት ኣብ መንገዲ ጉዕዝኦም፡ ብዙሕ ገበናት ይወርዶም። እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ መንገዶም ከጋጥም ዝኽእል እዩ።